ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኒሻን ክብሪ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተሸሊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኒሻን ክብሪ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተሸሊሞም ።
 
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ሰላም ብምዕሳል ብመንፅር ኣፍሪካ ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ዝተውሃበ ሽልማት ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።
 
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ካብ 28 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ሪፐብሊክ ጊኒ ከምኡ እውን ኢኳቶሪያል ጊኒ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስላጦም ይዝከር።
 
ምስ ፕሬዚዳንት ቴዎዶር ኦቢያንግ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝምን ባህልን ሓቢረን ንክሰርሓ ዘኽእለን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
 
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቅድም ክብል ኣብ ሪፐብሊክ ጊኒ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ስራሕ፥ ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣልፋ ኮንዴ ተራኺቦም ምዝታዮምን ኣብ ወደብ ኮናክ ዑደት ምግባሮምን ይዝከር።
 
ኣብ ሪፐብሊክ ጊኒን ኢኳቶርያል ጊኒን ዝነበሮም ዑደት ዝዛዘሙ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ መዓልቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣቕኒዖም ኣለዉ።
 
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝገብርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብእንግዶት ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሴሪል ራማፎሳ ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ንኽልተ መዓልቲ ፃንሒት ከምዝህልዎም ድማ ተሓቢሩ።
 
ኣብ ፃንሒቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ተራኺቦም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
 
ብተወሳኺ ኣብ ስታዲየም ኢምፔሪያል ወንደረርስ ኣብ ዝህሉ መደብ ዲያስፖራታት ተረኺቦም መደረ ከስምዑ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
 
ብኣላዛር ታደለ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment