ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖቬል ሰላም ተቐቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኖቬል ሰላም ሽልማቶም ተቐቢሎም።

ስነ ስርዓት ሽልማት ኖቬል ሰላም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኖርዌይ ኦስሎ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ሽልማት ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማቶም ተቐቢሎም ኢዮም።

ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 30 መስከረም 2012 ዓ.ም ብኮሚቴ ኖቬል ኖርዌይ ተዓዋቲ ኖቬል ሰላም ዓመተ 2019 ኮይኖም ምምራፆም ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርተራን ዝነበረ ወጥሪ ናብ ሰላም ብምቕያር እተን ሃገራት ሰላማዊ ርክብ ንክህልወን ንዝገበርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪን ዘምፅእዎ ውፅኢትን፣ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዝነበረ ምንጋዕ ሰላም ተዋሳእቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ብምድርዳር ዕርቀ ሰነያ ምፍፃሞም ከምኡ እውን ኣብ ሶማሊያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብምፍትሖም ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ብምዃን ከምዝተዓወቱ ይዝከር።

ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት መሪሕነታዊ እጃም ንዘበርከቱ ውልቀሰባትን ትካላትን በብዓመቱ ዝወሃብ እንትኸውን፥ ኣብ ዓለምና ኣፍልጦ ካብ ዝረኸቡ ሽልማታት ብቐዳምነት ይርቋሕ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment