ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተዓዋቲ ልዑል ሽልማት ስፖርት ኣፍሪካ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣  2 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ልዑል ሽልማት ስፖርት ኣፍሪካ ኮይኖም።

እቲ ሽልማት ማሕበር ብሄራዊ ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ንዕብየት ኦሎምፒክ ስፖርት ደገፍ ንዝገበሩ መራሕቲን ፍሉጣት ሰባትን ዝህቦ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንምንቕናቕ ስፖርትን ኦሎምፒክን ኢትዮጵያ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ እቲ ሽልማት ከምዝተበርከተሎም ተገሊፁ።

እቲ ማሕበር ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝምረፅ ቦታን እዋንን እቲ ሽልማት ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ከምዘረክቦም ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment