ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብ“ቴሌፎን” ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ “ዶክተር ቴድሮስ እዋናዊ ሓበሬታ እቲ ቫይረስ ብዝምልከትን ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዓሊሙ ዝሰርሖ ዘሎ ተግባራትን ኣድሂቢም ንዝሃቡኒ ሓበሬታ አመስግን” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ እዚ ሕማቕ ጊዜ ንምሕላፍ ናይ ሓባር ኣመራርሓ ከምዘድሊ ምርድድኦም እውን ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ዶክተር ቴድሮስ ዝመርሕዎ ትካል እዋኑ ዝሓለወን ንዝተውሃቦ ሓላፍነት ዝምጥንን ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment