ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ምክትል ፕሬዚዳንት ሆሴፕ ቦረል ፎንትለስ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣባላት ካቢነኦም ብምዃን ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓን ምክትል ፕሬዚዳንትን ሆሴፕ ቦረል ፎንትለስ ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊን ከባቢያዊን ዛዕባታት ዘድሃበ ከምዝነበረ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment