ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ማሕበራዊ መሰረቶም ኣብ ክልል ደቡብ ምስዝኾኑ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ማሕበራዊ መሰረቶም ኣብ ክልል ደቡብ ምስዝኾኑ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ክልል ደቡብ ምስ ዘሎ ኣወዳድባ ዝተሓሓዙ ሕቶታትን ዛዕባታትን ብምቕራብ ዘተ ተገይሩሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብዛዕባ እቲ ዘተ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ “ምስ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ደቡብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ ዝተልዓሉ ሓሳባትን ዝተርኣየ ግልፂ መንፈስ ዘተን ዝነኣድ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ህዝብታት ዘለዎም ድልየት ብዘማእኸለ መገዲ፣ እቲ ክልል ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ኣብ ዘኽእል መርህ ዘተ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

“ከምዚ ዝበሉ ዘተታት ምቕፃሎም ናብ ዝሓሸ ጎዳና ክነምርሕን ዴሞክራሲያዊ ክብሪታት ንክምዕብሉን ዘኽእል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment