ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኣፍሪካ ተኻቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኣፍሪካ ተኻቲቶም።

መፅሄት ኒው ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ኣብ ኣፍሪካ 100 ፈጠርቲ ፅዕንቶ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ መፅሄት ዕላዊ ኣብ ዝገበሮም ፈጠርቲ ፅዕንቶ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፣ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖምን ኣብ ምብራቕን ደቡብ ኣፍሪካን ናይ ዝንቀሳቐስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲን ልምዓትን ኣይተ ኣድማሱ ታደሰ ተኻቲቶም።

ብቐዳምነት ዝተቐመጡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመተ 2020 ተፈተውቲ ካብ መንጎ ዝነበሩ ስማት ሓደ ከምዝነበሩ እቲ መፅሄት ገሊፁ።

ተዓዋትቲ ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ክትከውን ዝገበሩዋ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ሓደ ንምግባር ዘኽእል ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ፀፅታን ናይ ወሳንነት ብፅሒት ናይ ዘለዋ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment