ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ሓባር ጣቢያ ተፍቲሽ ሞያሌ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ሓባር ጣቢያ ተፍቲሽ ሞያሌ መሪቖም ከፊቶም።

እቶም ቀዳማይ  ሚኒስትር ኣብ ሞያሌ ጣቢያ ተፍቲሽ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁኑ ኬንያታ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘተኣሳስር ኣካል ፕሮጀክት ህንፀት ኮሪደር ሞምባሳ-ናይሮቢ -ኣዲስ ኣበባ  ዝኾነ መገዲን ጣቢያ ተፍቲሽን ሃዋሳን ሞያሌ ብምምራቕ ክኸፍቱ ኢዮም።

መገዲ ሃዋሳ ሞያሌን ጣቢያ ተፍቲሽ ሞያሌን 500 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኢዩ።

እቲ መገዲ 6 ነጥብ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ኢዩ።

እቲ ወፃኢ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝተናውሐ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ ዝሽፈን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ኣብቲ መስመር ንዝርከባ ከተማታት ዞባታት ሕርሻን ኢንዱስትሪን፣ መዕረፊ በፃሕቲ ዓዲ ብዘበናዊ መገዲ ካብ ምትእስሳሩ ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኬኒያን ክልቲኣዊ ርክብ ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ረብሓ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment