ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ መረፃ ፈረንሳይ ዳግም ንዝተዓወቱ ፕሬዚዳንት ማክሮን መገህለፂ ሓጎስ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ፈረንሳይ ዳግም ንዝተዓወቱ ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን መግለፂ ሓጎስ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ እታ ሃገር ትማሊ ብዝተውሃበ ናይ መወዳእታ ዙር ምሃብ ድምፂ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ማክሮን ንተናሓናሒቶም ማሪን ሌፔንን ስዒሮም።

ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መግለፂ ሓጎስ፥ “ማክሮን ንዕዉትን ታሪኻዊ ዳግም መረፃን እንኳ ደስ በሎም” ኢሎም።

ጥንኩር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክቕፅል ንምግባር ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ከምዝሰረሑ ኣብ ማሕበራዊ ምተእስሳር ገፆም ኣብ ዘውፅኡዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment