ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፖሊስ ዘበናዊ ሰራዊት ንክኸውን መንግስቲ ኩለ መዳይ ደገፍ ከምዝገበር ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፖሊስ ዘበናዊ ሰራዊት ንክኸውን መንግስቲ ኩለ መዳይ ደገፍ ከምዝገበር ኣረጋጊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

እቲ ዑደት ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ፖሊስ ከም መጠን ኣኽባሪ ሕጊ ሕጊ ብዝግባእ ዝፈልጥ፣ ከም መርማሪ ገበን ክእለት ምርመራ ገበን ዘለዎ፣ መፅናዕቲ ስነ ባህሪ ዘፅንዐ፣  ቢሄቪየራል ሳይኮሎጂን ብዝግባእ ንክፈልጥ ዝተጀመረ ሪፎርም ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ከም መጠን ሰራዊት ወተሃደራዊ ብቕዓት ዘለዎ፣ ከም መጠን በታኒ ኣድማ ተኽለ ሰብነት ዘለዎ፣ ከም መጠን ትካል ደሕንነት ሓበሬታ ምእካብን ምትምታንን ዝኽአል፣ ዘበን ዝጠልቦ ብቕዓትን ግንዛበን ቴክኖሎጂ ዘለዎ፣ ኣሰር፣ ዲ.ኤን.ኤ.ን ዲጂታል ሲግኔቸርን ከምኡውን ዲጂታል ፎረንሲክ ምትንታን ዝኽእለ ዘበናዊ ንክኸውነ ኩለ መዳይ ደገፍ መንግስቲ ፌዴራል ዝግበር ከምዝኾነን ኣረጋጊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment