ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፅባሕ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ክህቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝለዓሉሎም ሕቶታት መብርሂ ክህቡ ኢዮም።

6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራላዊ ዴሞክራያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ፅባሕ 6 ሕዳር 2015 ዓ.ም ካብ ንጉሆ 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ 4ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከምዘካይድ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ባይቶ ንግዜኢ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ 30 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝገበረኦ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐርቡ ሕቶታት እቶም ቀዳማይ መልሲን መብርሂን ከምዝህቡ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ባይቶ ቅዋም መንግስቲ ብምስማዕ ነቲ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝርከቡ እቲ ዳይሬክቶሬት ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment