ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ መሪቖም።

ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ኣብ እግሪ እቲ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ከምኡ እውን ኣፈ ጉባኤታት ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡

ኣብ 5 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ÷ ትሕቲ መሬት (ኣንደር ግራውንድ) ክልተ ደረጃታት ከምኡ እውን ልዕሊ መሬት ሓሙሽተ ደብሪታት ኣለዉዎ፡፡

ጀጋኑ ምብራቕ፣ ጀጋኑ ምዕራብ፣ ጀጋኑ ሰሜን፣ ጀጋኑ ደቡብ፣ ናይ ፈረሰኛታት፣ ሓርበኛታትን ኣፓንኣፍሪካኒዝምን ዝተሰየሙ በሪታት እውን ኣለዉዎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንዝኽሪ ሃፀይ ምኒልክን እቴጌ ጣይቱን፣ 12 ቲኦም ጦር መራሕቲ፣ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያንን ኣፍራስን ዝኸውን ሓወልቲን ስራሕቲ ጥበብን ኣለዉዎ፡፡

ነጋሪት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጦር መሰራሒታት ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገር ዝኣተወት ኣውሮፕላን ፀሓይ ኣብቲ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይርከቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment