ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ተሸሊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብትካል ምግቢን ሕርሻን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጣሊያን ሮም ኣብ ዝተሰናደአ ክብረ በዓል ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ተሸሊሞም።

እቲ ሽልማት÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ውሕስና ምግቢን ዝተመጣጠነ ቀረብ ምግቢን ንዘርአዩዎ ራኢ፣ ኣመራርሓን ቆራፅነትን፣ ኢሉ እውን ቅልጡፍ፣ ተለዋዋጢን ፈታኒን ኣብ ዝኾነ ከባቢያዊ ኩነታ ብፍርያት ስርናይ ርእስኻ ንምኽኣል ብዝተኸተሉዎ ፈጠራዊ መፍትሒ ኣፍልጦ ንመሃብ ዝተበርከተ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኻት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣብ ጣልያን ዝርከቡ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ልኡኽ ከምኡ እውን ተወከልቲ ዘፈር ውልቀ ኣብ ዝተረኸቡሉ እቲ ሽልማት ተቐቢሎም።

ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ቁልፊ ኢንቨስትመንት ዝገበረት ምዃና ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment