ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ዓቕሚታት ግብርናን ኢንዱስትሪን ክልል ዓፋር ኣብ ዘርእዩ ፕሮጀክትታት ዑደት ኣሳሊጦም።
እቲ ዑደት ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ፍሪያት ዝጀመረን 15 ቶን ብሰዓት ዘፍሪ ኣዮዳይዝድ ጨው መፍረዪ ምርኣይ ዘካተተ ከምዝነበረ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ዕውት ፍርያት ስርናይ ሓጋይ እናተካየደሉ ዘሎ ልምዓት ስራሕን ማእኸል ባንክ ልምዓት መኖ ኣይሮላፍ ዑደት ኣካይዶም፡፡
ኣብቲ ክልል ዘሎ ዓቕሚ ሕርሻ ካብ ዝነበረ ዝተስሓሓተ ትዕዝብቲ ብምስዓር ብመስኖ ዝለምዐ ዘዕግብ ፍርያት ስርናይ ምርካብ ከምዝተኸኣለ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ የርእይ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ቀዳማዊት እመቤትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዘህነፆን ካብ ሕርሻ ናብ መኣዲ ሙሉእ ምግቢ ፍርያት እቲ ሰንሰለት ምፍራይ እናዕበየ ዘኽይድ ዘሎ ዘበናዊ ፋብሪካ ዳቦ እውን መሪቆም፡፡
እቲ ፋብሪካ ብዝተገጠሙሉ ዘበናዊ ማሽናት ብምሕጋዝ 420 ኩንታል ስርናይ ኣብ መዓልቲ ምጥሓን ዝኽእል እንትኾን 300,000 ዳቦታት ኣብ 24 ሰዓታት ምፍራይ ይክእል፡፡