ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሎሚ መዓልቲ ዘቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ምስ ተወከልቲ ፓርቲታት ብምርኻብ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምክያዶም ኣዘኻኺሮም።
ኣብቲ እዋን በቢብርኩ እቶም ዘተታት ንክቕፅሉ ኣንፈታት ምቕማጦም ገሊፆም።
ሎሚ ዝተኻየደ ዘተ መቐፀልታ እቲ ናይ ወርሒ ሚያዚያ ከምዝኾነ ብምግልፅ፥ ቀፃልነት ዘለዎን ኩለ መዳያዊ ረብሓ ዘለዎን ሃገራዊ ዛዕባታት ምርድዳእ ምፍጣር ዘድሃበ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment