ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሕድሳት ገዛ ንኽድግፉ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ እዋን ዝናብ ቅድሚ ምብፅሑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሕድሳት ገዛ ንኽድግፉ ፀዊዖም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ሕድሳት ገዛ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ዜጋታ ዝግበር ዓመታዊ መርሃ ግብሪ ሕድሳት ገዛ እንትንጅምር፤ ውልቀ ሰባት፣ ትካላት ንግዲን መንግስታዊ ትካላትን ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ከከባቢና ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምቹውን ሰብኣዊ ክብሪ መሰረት ዝገበረን ኩነታት ናብራ ንምፍጣ ኣብ ዝግበር ስራሕ ግደኦም ንኽዋፅኡ ፃውዒተይ የቕርብ” ኢሎም፡፡

ብፍላይ ትካላት ንግዲ ማሕራዊ ሓላፍነቶም ብምውፃእ ናብራ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከሓይሹ ከምዝኽእሉ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment