ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ግምባር ኣመራርሓ ይህቡ ኣለዉ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ዝበልፅ ነገር ስለዘየለ መራሕቲን ህዝቢን ብሓባር ምትሕብባሮም ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ፥ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ግምባር ኣመራርሓ እናሃቡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ካልኦት ኣመራርሓታት እውን ናብ ወፍሪ ህልውና ተፀምቢሮም ናብ ግምባር ከምዝዘመቱ ኣብሪሆም፡፡

ስሩዕ ስራሕቲ ከይተኣጓሉ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እናተመርሑ ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ምዝማቶም ብዙሓት ዘነቓቕሐን ብዙሓት ክኽሉዎም ከምዝገበረን እውን ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምዝማቶም ብቕዓት ኣመራርሐኦምን ዝፀንሐ ታሪኽ ኣይሰዓርን ዘርኢ ከምዝኾነ ዶክተር ለገሰ ተዛሪቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment