ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ጉባኤ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ምስታፎም ርክብ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘጠናኽር ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉባኤ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ምስታፎም ርክብ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካላትን ዘጠናኽር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር መለስ ኣለም፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ምስታፎም ውፅኢታዊ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘረእይ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ህንፀት ሰላምን ምትካል እግሪን ከምዝድግፉ ምግላፆም ሓቢሮም።

ባንኪ ዓለም ድሕሪ ኲናት ንህንፀት ሰላምን መትካል እግሪን ዝኸውን 745 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ልምዓት ንምግባር መውሳኑ ከም ኣብነት መርቋሖም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment