ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ጂቡቲ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌደዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ልኡኾምን ኣብ ርክብ ሶማሊያን ሶማሊ ላንድን ኣድሂቡ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ዝነበሮም ተሳትፎ ዛዚሞም ተመሊሶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ናብ ጂቡቲ ኣምሪሖም ነይሮም።
ኣብ ርክብ ሶማሊያን ሶማሌላንድን ኣድሂቡ ኣብ ጂቡቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ብኣሳናዳእነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ዘተ ቀፃሊ ክፋል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ፣ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ፕሬዚዳንት ሶማሌላንድ ሙሳ ቢሂ አብዲን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ተረኺቦም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚነስትር ኣቢይ ኣብቲ መድረኽ ዘተ፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዕርቂን ሰላምን ክወርድ ምግባር ንውህደት እቲ ዞባ መሰረት ከምዝኾነ ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment