ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ብናይ ሓጋይ መስኖ ዝዘርኡ ኣብ ዘለዉ ሓረስቶት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ብናይ ሓጋይ መስኖ ዝዘርኡ ኣብ ዘለዉ ሓረስቶት ዑደት ገይሮም።

እቶም ሓረስቶት ብትራክተር ዝሓርሱ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ዞባ ብናይ ሓጋይ መስኖ 200 ሺሕ ሄክታር መሬት ብስርናይ ክሽፈን ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ 30 ሄክታር መሬት ተሓሪሱ ኣሎ።

9 ሺሕን 500 ሄክታር መሬት ብሰርናይ ከምዝተሸፈነ እወን ካብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ብክልተ ዙር መስኖ ሓጋይ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብሰርናይ ክተልምዕ ኢያ።

በዚ ድማ 52 ሚሊየን ኩንታል መህርቲ ክትረክብ ኢያ ዘበል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment