ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ወረዳ ጨንቻ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዞባ ጋሞ ወረዳ ጨንቻ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ጎብኒዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣብታ ወረዳ ከተማ ጨንቻ ኣብ ስራሕቲ ማእለማ ብማሕበር ተወዲቦም እናሰርሑ ዝርከቡ መናእሰይ ተዓዚቦም።

እቶም መናእሰይ ቅድም ክብል ኣብቲ ከባቢ ብባህላዊ መገዲ ይስራሕ ዝነበረ ስራሕ ማእለማ ዘበናዊ መሳርሒታት ተሓጊዞም እናዘመኑ ዝርከቡ ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዓዘቡዎ ካሊእ ስራሕ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዝተዋደደ ሰራሕቲ ሕርሻ ኢዩ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ንኡሽተይ መሬት ኣፕል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፍረምረ እናልምዑን እንስሳት እናርብሑን ዝርከቡ ሓደ ውልቀ ሰብ ምንቅስቓስ ስራሕ ተዓዚቦም።

ክዚ ዝዓይነቲ ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ንኽስፋሕፍሑ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣተሓሳሲቦም።

ትካላት ሃይማኖት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዘለዎም ተሳትፎ መርኣያ ከምዝኾነ÷ ስራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ቃለ ህይወት ማሕበረሰብ ሓቆፍ እውን ተመልኪቶም።

እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጨንቻን ከባቢኣን ዓሌት ኣፕል ናፋላጠት ትርከብ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment