ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኣ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ፓርቲታት ፖለቲካን ዘለዉ እዋናዊ ጉዳያት ሃገር ዘድሃበ ከምዝኾነ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ዘተ ሸውዓተ ዛዕባታት ብምልዓል ልዝብ ከምዝግበር ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብቐዳማነት ዘተ ዝግበረሎም ኣርባዕተ ዛዕባታት ግን ተፈሊዮም ኢዮም።

ብቐዳምነት ኣብ ሃገራ ምርድዳእ ንምዝታይ ዝተስማዕምዑ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ዛዕባ ገለፃ ንምግባርን ኣላዘብቲ ንምዃንን ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ሰባት ተመሪፆም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ “ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ባንዳታት ዝነበሩ ይኹኑ እምበር ንዑኡ ተፃዊርና ዝተለምናዮ ክነሳኽዕ ክኢልና ኢና” ኢሎም።

ካብዚ ብምቕፃል ድማ፥ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተገበረ ልዝብ ዝቐፀለ ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment