ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማእኸል ስነ-ጥበብ እንጦጦ ዝተሰናደአ ኤግዚቢሽን ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእኸል ስነ-ጥበብ እንጦጦ ዝተሰናደአ ኤግዚቢሽን ዑደት ገይሮም።

እቲ ኤግዚቪሽን ውቑር ኣቢያተ ክርቲያን ላሊበላ ብቨርቹዋል ዘርኢ ኢዩ።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተኸፈተ ኤግዚቪሽን÷ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይንካ ኣቢያተ ክርስቲያን ላሊበላ ብኣካል ተረኺብካ ከምዝተዓዘብካ ብዘኽእል መገዲ ንምዕዛብ ዘኽእል ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ፈረንሳይ ብምትሕብባር ዝተሰናደአ እቲ ኤግዚቪሽን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፈላማይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ድሕሪ እቲ ዑደት ከምዝሓበሩዎ÷ ውቑር ኣቢያተ ክርስቲያን ላሊበላ ኣብቲ ዘበን ዘሎ ናይ ምሕሳብ ዓቕሚ ዘርኢ ኢዩ።

ሓደ ሰብ ዝሓለሞ ሕልሚ ብሓባር ናብ ባይታ ኣውሪዱ ጋህዲ ገይሩ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ዝንፀባረቐሉ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

“ሕዚ ዘለና ኢትዮጵያውያን ካብዚ ተማሂርና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኢትዮጵያዊያን ነቲ ኤግዚቢሽን መፂኦም ንኽዕዘቡዎ ፀዊዖም።

ኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment