ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ሓድነት ኣፍሪካ ፓን አፍሪካኒዝምን ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ነበር መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሽልማት ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማዊ ሃፀይ ሃይለ ስላሴ ሓዊሱ ንስድራ ኣብ ሓድነት ኣፍሪካ ፓን አፍሪካኒዝምን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ 17 ነበር መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሽልማት ኣበርኪቶም።

መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ጉባኤ መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ÷ ንሓድነት ኣፍሪካ ፓን አፍሪካኒዝምን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ 17 ነበር መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ሽልማት ኣበርኪቶም።

ቀዳማዊ ሃፀይ ሃይለ ስላሴ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ዛምቢያ ኬኔት ካውንዳ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ታንዛንያ ጁሊየስ ኔሬሬ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ዚምባቡዌ ሮበርት ሙጋቤ፣ ነበር ንጉስ ሞሮኮ ሃሰን ካልኣይ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ጊኒ ኣህመድ ሴኩ ቱሬ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ማሊ ማዲቦ ኬይታ፣ ነበር ፕሬዝዳንት ኮትዲቭዋር ፍሊክስ ሆፌት ቦይኚን ነበር ፕሬዝዳንት ሴኔጋል ሊኦፖልድ ሴዳር ሴንጎር ኣፍልጦ ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ ነበር መራሐቲ ይርከቡዎም።

እቲ ሽልማት ብኣካል ክቕበሉ ዘይከኣሉ ስድራቤታት ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ዲፕሎማሲያዊ ኣማራፂታትን ከምዝረኽቡ ተገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብሓባር ዘሰነድኡዎ ጉባኤ መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪካ ካብ 19 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ፀኒሑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment