ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፓርክ ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ይርጋለም መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፓርክ ዝተዋደደ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ይርጋለም መሪቖም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለይ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

እቲ ፓርክ ብኽፋል ቀዳማይ ምዕራፍ ፍሪያት ዝጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ፓርክ ካብ ዝተሃነፁ 11 ቦታታት ፍሪያት እቶም 4 ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዝርከቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ሸሞንተ ተወሰኽቲ ምትእስሳር ዕዳጋን ካልኦት ድልየታትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ብምፍጣር ተኸላ መሽን ድሕሪ ምዝዛሙ ፍሪያት ንምጅማር ኣብ ምድላው ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣቮካዶ ዘይቲ፣መዓርን ቡና ኪኒን ምቅንብባር ይስራሕ ከምዘሎ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment