ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ዓበይቲ ሃገራት ውፅኢታዊ ዘተ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ገይሮም-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

አዲስ አበባ ፣ የካቲት 30 ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎኒ ንጎኒ መበል ሓምሻይ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓበይቲ ሃገራት ውፅኢታዊ ዘተ ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ገይሮም ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም፥ ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዝጠመተ ሰሙናዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ካብ ዝነበረ ዓውዲ ጎንፂ በምውፃእ ናብ ህንፀት ኢኮኖሚ ተሸጋጊርና ኣለና ኢሎም።

ሰብ ሃፍቲ ቻይና፣ ኳታር፣ እንግሊዝ፣ ኣሜሪካ ወዘተ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨሰት ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ዓውዲ ኢንቨሰትመነት ኢትዮጵያ ንክዋፈሩ ዘኽእል ዘተ ከምዝገበሩ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ልዕሊ 70 ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንምውፋር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

#Ethiopia

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment