ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘቕባበ ዋጋን ኢኮኖሚያዊ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዝሃቡዎ መብርሂ ቀንዲ ቐንዲ ነጥቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘቕባበ ዋጋን ኢኮኖሚያዊ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዝሃቡዎ መብርሂ ቀንዲ ቐንዲ ነጥቢታት፦

– ኣብ ኢትዮጵያ ምኽባር ናብራ ኣለ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ብምኽንያት ምኽባር ናብራ ንምምጋብ እናተፀገሙ ይርከቡ እዚ ሕቶ ሓቂ ኢዩ፡፡

– ኣብ ኢትዮጵያ ክበሃል ከሎ ካብ ቢሮና ኣብ ሚኢቲ ሜትሮ ርሕቐት ዝረከቡ ሰባት እናተፀገሙ ይርከቡ፤ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታ ዘይተረኣየ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ መላእ ዓለም ኣሎ፤ ፀገም ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀገም ዓለም ኢዩ፡፡

– ናይ ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ዝገበሮ እቲ ዝቕባበ ዋጋ ዓቕሚ እቶትና ትሑት ኣብ ዝኾነሉ እዋንን ንዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ዘይተቛረፀን አናዓበየ ብዛዕባ ዝመፅአ ናይ ሰብ ኣታዊን ዝቕባበ መጠን ዕቤትን ብልዑል ብርኪ ኣብ ናብራ ፅዕንቶ ኣምፂኡ ኢዩ፡፡

– ቀንዲ ፀገምናን ክንሰርሐሉ ዝግባእን ጉዳይ ዝቕባበ ዋጋ ኢዩ ኢልና ነይርና፤ ሓደ ሓደ ግዘ ዝቕባበን ምኽባር ናብራን ሓደ ገይርና ንሪኦ ኢና፡፡

– ምኽባር ናብራ ዝፍጠር ብዝቕባበ ዋጋ ኣይኮነን፤ ዝቕባበ እናሃለወ ናብራ ዘይክኸብር ይኽእል ኢዩ፤

– ናትና ፀገም ኣታዊና እናዓበየ ስለዘይኸይድ ኢዩ፡፡

– ሎሚ ዘበን ዘሎ  ኩነታት ምኽባር ናብራ ግን ሓፈሻዊ ኩነታት ዋጋ ዓለም ምርግጋእ እናርአየ ከምዝቕፅል ይትንበ፤

– ኣብ ትካላት ፋይናንስ ዝትንበይ ክረጋጋእ ኢዩ ዝብል ኢዩ፤ ናትና እውን እንተኾነ ዓሚ 37 ሚኢታዊ በፂሑ ነይሩ፤ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም 28 ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ፡፡

– እዚ ጉዳይ ዝሓዋወሶ ነገር ድማ ናትና ፀገም ዝተደመረ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝማዕበላ ሃገራት ዝወሰደኦ ስጉምቲ እውን ኢዩ፤

– ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ከይጉድኡ መፍረያይነት ምዕባይ ይግባእ፤

– ሓረስታይ ኢትዮጵያ ግብሪ ኣይኸፍልን፤ ሓረስታይ ግብሪ ዘይኸፍለሉ ቀንዲ ምኽንያት መፍረያይነት እንተዓቢዩ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ናብረኦም ብተዘዋዋሪ ክድጉም ኢዩ ብዝብል ኢዩ፤

– ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ሽኮር፣ ዘይቲን ነዳዲን ንድጉም ኢና፤ ምገባ ተምሃሮን ሕድሳት ገዛን እውን ኣሎ፤

– ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓረስታይ ብቐጥታ ፍርያቱ ንኽሸይጥ ማእኸላት ዕዳጋ እናተሃነፁ ይርከቡ፤

– ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክስራሕ ዝግበኦ ነገር ጉዳይ ገዛ ኽራይ ኢዩ፤

– ጉዳይ ገዛ ኽራይ ብትኽክል ሕጊ ኣውፂእና ዘይነዕርዮ እንተኾይንና ሰብ በቢወርሑ ክራይ ገዛ እናወሰኸ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ናብ ፀገም ዘእቱ ኢዩ፡፡ እዚ ክነስተኻኽሎ ይግባእ፡፡

Comments (0)
Add Comment