ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ኢሬቻ 2017 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል ኢሬቻ 2017 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “እንኳዕ ኣፀጋሚ እዋን ክራማት ብምሕላፍ ናብ ብሩህ እዋን ኣሸጋገረና ኢሎም።

“ኢሬቻ ዕርቀ ሰላም ኢዩ ብምባል፥ ፈጣሪ ድማ ዕርቀ ሰላም ኢዩ ዝፎቲ” ኢሎም።

ዝተፃልኡ ሰባት ቂም ሒዞም ንኢሬቻ ናብ “መልካ” ሓቢሮም ኣይወርዱን ብምባል እውን ገሊፆም።

“ኢሬቻ ሕልፊን ትርፊን ኢዩ፣ ኢሬቻ ምስጋና ኢዩ፥ ኢሬቻ ልምላመ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ለምለም ሳዕሪ ክብሪ፣ ፍቕሪን ሰናይ ትምኒትን ከምዝውክል ኣብሪሆም።

ስለ ዝኾነ ነዝሓለፈ ብምግዳፍ ናብ ሓዱሽ ተስፋ ብንፁህ ሕሊና ክንሰጋገር ኢና ኢሎም።

እዚ ድማ ካብ ክብሪ ህዝቢ ጎሊሁ ከምዝረአ ኣብሪሆም።

ኢሬቻ ድማ ሓድነት፣ ሕብረት ስለዝኾነ፥ ካብ መልካ ኢሬቻ ናብ ድሕሪት ዝተርፍ ወይ ዝጥምት የለን ኢሎም።

ኣቦታትና ዘፅንሑልና ክብሪ፤ ሰብ ኩሉ ማዕረ ከምዝኾነ ኢዩ ብምባል፥ ሰብኣዊነት ካብ ሰብ ወፃእ ትርጉም ኣይብሉን ኢሉ ኦሮሞ ከምዝኣምን ሓቢሮም።

ስለ ዝኾነ ኦሮሞን ሓቢረምዎ ዝነብሩ ካልኦት ሰህዝብታትን ፈጣሪ ኣብ ዘፅንሖ መልካን ወሓዚ ሩባን ይእከቡ፤ እዚ ድማ ሕውነት ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ እትፍለጠሉ ብዙሕነት ኣብ መልካ ኢሬቻ ከምዝረአ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እዚ ድማ ህዝቢ ሃገርና ነንባዕሎም ዘለዎም ምቅብባልን ምክብባርን ከምኡ እውን ሰናይ ትምኒትን ንማሕበረሰብ ዓለም ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኦሮሞ ናይ ግዘ ቀመር/ዑደት ባዕሉ ከምዝፈልጥ፤ ዑደት ከዋኽብቲን ወርሒን ብምቑፃር በዓላት ከምዘስልሕ። እዚ ድማ ፍሉይ ህያብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስርዓት ገዳ ውፅኢት ምስትውዓል ኢዩ፤ ኦሮሞ ዝተፀገመሉ ነገር ዝፈትሐሉን ዘበን ዘይስዕሮን ጥንኩር ስርዓት ብምስትውዓል ብምስንዳእ ተጠቒሙሉ ኢዩ፤ ጎረባብቱ ኮይኖም ዝነብሩ አሕዋቱ ካብዚ መስተውዓላይነት ተጠቒሞም ኢዮም” ኢሎም።

ገዳ በቢሸሞንተ ዓመት መረፃ ምግባርን እዋን ስልጣን ምግዳብን ብፍቓድን ብሰላምን ስልጣን ምርካብ ከምዘምሀረ ብምሕባር እዚ ድማ ውፅት ምስትውዓል፣ ውፅኢት ንቕሓት፣ ውፅት ምግንዛብን ውፅኢት ምትንታንን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም÷ “ንሕና ህዝቢታት ኢትዮጵያ ረብሓ ኣብ ዘይብሎምን ዝኾነ ተላዒሉ ውልቃዊን ጉጅለኣዊን ድሌቱ ንምዕዋት ኣብ ዘቕብለና ኣጀንዳ ጉልበትና ካብ ምውዳእ ወፂእና፣ ኣብ ዋና ጉዕዞና ነድህብ፤ ክብሪን ፍቕሪ ሒዝና ድኽነትን ፀገምን ኣውፂእና ንደርቢ፤ ናብ መልካ ምዕባለ ንገስግስ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment