ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒን ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብዕላዊ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ተቐቢሎም።

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ሓበራዊ ራኢ ምዕባለ፣ ምትሕብባርን ምክብባርን ኣመልኪቶም ብዕቱብ ምዝታዮም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)÷ ፕሬዝደንት ዩኒየን ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ ኣብ ኣፍሪካ ሕብረት ኣቦ መንበር ብምዃን ዘርአዩዎ ኣብነት ዘለዎ ኣመራርሓ ንኢዶም፡፡

ብመንፅር እዚ እቲ ሕብረት ብኣመራርሐኦም ናብ ጉጅለ 20 ምእታው ዝኸኣለሉ ስጉምቲ ኣዘኻኺሮም፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ሓበራዊ ፃዕሪ ኣብ ፈተናታትን መፃኢ ዕድላትን ብምጥቃም ኢሉ እውን ኣብ ምሕንፃፅ ዘሎ ኣድላይነት ብምቕባል ኣብ ቀፃሊ ተዓዘብቲ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment