ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ መልዕኽቶም፥ “ብፍቓድ ፈጣሪ 2015 ዓ.ም ሓሊፍና ናብ ሓዱሽ ዘበን በፂሕ፤ ኢትዮጵያ እውን ንውረድ ደይብ እናሰዓረት ተጓዒዛ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ “ፅኑዕ መምርሒ፣ ብርቱ ህዝብን ዘይሰዓር ኣምላኽን ስለዘለና ኣብዚ በፂሕና” ሲክብሉ ገሊፆም።

“ብዙሕ ነገር አዕዊትና ኢና፤ ከበድቲ ፈተናት ብዓወት ተዋፂእና ኢና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣእላፍ መስግደላት ይደርደሩ እምበር ጥንኩር መሰረት ኮይኖም ከምዝሓለፉ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

“ዝተሳኽዑልና ኩሎም ውፅኢታት ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኢዮም፤ ዝተፈተናሎም ድማ ብምፍልላይ ዝተልዓለ ዝመፅኡ ኢዮም” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፈተናታት ነኪዮም፤ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ካብ ኣልማዝ ጠንኪሩ፤ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ከምዝፀንዕ ገሊፆም።

ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ናብ ዝምጥና ብርኪ ክነሳግሮ ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ÷ ሓዱሽ ዓመት ዓመተ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንኽኸውን ተመኒዮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment