ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዱሽ ዝተጣየሸ ማእኸል ግልጋሎት ድጋፍ ኣካል ኢትዮጵያ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቅድሚ 3 ዓመት ክጣየሽ ኣንፈት ብዘቐመጡዎ መሰረት ሓዱሽ ዝተጣየሸ ማእኸል ግልጋሎት ድጋፍ ኣካል ኢትዮጵያ ሎሚ ረፋድ መሪቖም።

እቲ ማእኸል ብተፈጥሮን ብሓደጋን ምኽንያት ጉዱኣት ኣካል ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓገዝቲ ናውቲታት ንምፍራይን ንምቕራብን ዝተጣየሸ ማእኸል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ማእኸል ግልጋሎት ድጋፍ ኣካል ኢትዮጵያ÷ ሓገዝቲ ቴክኖሎጂታት ንምፍራይ፣ ንምሕዳስን ንምቕራብን ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

“ካብዚ ብተወሳኺ ተበፃሒ፣ ፅሬት ዘለዎን ዓማዊል ተኮር ሰብ ስራሕን ግልጋሎታት ሓገዝ ኣካል ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ኢዩ” ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment