ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ናይጀሪያ ኣምሪሑ።
ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብተወሳኺ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ልኡኽን ከተማ ኣቡጃ ኣቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብታ ሃገር ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።