ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተዛረቡዎም መደረታትን መግለፂታትን ዘካተቱ ሰለስተ ጥራዛት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝተዛረቡዎም መደረታትን መግለፂታትን ዘካተቱ ሰለስተ ‹ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት› ጥራዛት ዕላዊ ገይሩ።

እቶም መደረታትን መግለፂታትን፥ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ዘለዎም ቅዋም ዘንፀባርቑ ኢዮም ተባሂሉ።

ዝቕፅል 24 መስከረም 2014 ኣብ ኢትዮጵያ ዝጣየሽ ሓዱሽ መንግስቲ ኣቐዲሙ ዝቐረበ እቲ ጥራዝ፥ ኣብ መጋቢት 2010 ዓ.ም ስግግር መንግስቲ ካብ ዝግበር ንደሓር ዝተገበሩ ዘረባታትን መግለፂታትን በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተተግበሩ ዝተፈላለዩ ቁልፊ ስራሕቲ መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ንምምዝጋብ ዝዓለመ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment