ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ጉጅለ ልኡኾም ናብ ፈረንሳይ ምእታዎም ይፍለጥ።

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ልኡል ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሰልማን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም።

ኣብ ጉዳይ ለውጢ ንብረት ኣየርን ዓለም ለኸ ማሕለገኻታትን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ሓዱሽ ስምምዕነት ንኽግበር ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ጉባኤ ኢዩ።

ተቓላዕቲ ሃገራት ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተፃወሩዎ ዝርከቡን ኣብ ቀፃሊ ከጋጥሞም ዝኽእልን ፀገም ንምፍታሕ ሓገዝ ፋይናንስ ክመዓራረየሎም ይግባእ ዝብል ሓሳብ ብስፍሓት ክንፀባረቐሉ ኢዩ እውን ተባሂሉ።

መመሓየሺ በዓል ብዙሕ ወገን ባንኪታት ልምዓት፣ ጉዳይ ልቓሕ፣ ቀረብ ፋይናንስን ዓለም ለኸ ጉዳይ ታክስን ኣብቲ ጉባኤ ብስፍሓት ዝዝተየሎም ዛዕባታት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብኣላዛር ታደለ

#Ethiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment