አዲስ አበባ፣ ነሐሴ 23፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣልጀርስ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዕላዊ ዑደት ስራሕ አብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሙዚየም ሓውልቲ ሰማእታት ዑደት ገይሮም።
ኣብቲ ቦታ ሕቑፊ ዕንበባ እውን ኣንቢሮም።
ኣብ ውሽጢ እቲ ሙዚየም 302 ጫማ ንውሓት ዘለዎ ሓውልቲን ኣልጀሪያዊያን ንሃገሮም ነፃነት ዝኸፈልዎ ዋጋን ዘርእይ ሙዚየም ዝሓዘ ኢዩ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ጉጅለ ልኡኾም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ኣልጀርስ ምእታዎም ይዝከር።
ኣብ ኣልጀርስ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልጀሪያ ኣይመን ቤን ኣብድራህማኔ ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ተገሊፁ።
ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣብዱል መጅድ ታቡኔ ብምርኻብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።