ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንዓቕሚ ዘይብሎም መኣዲ ኣካፊሎም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንዓቕሚ ዘይብሎም ስነስርዓት  ምክፋል መኣዲ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ፋሲጋን ፆመ ሮሞዳንን እኽኒያት ብምግባር  ንዓቕሚ ዘይብሎም ስነስርዓት  ምክፋል መኣዲ ገይሮም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተገበረ ምክፋል መኣዲ፥ ን200 ዘኽታማት ጣፍ፣ ዘይቲ፣ ሽኮር፣ መኮረኒን ሕሩጭን ተዋሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ኣፀጋሚ እዋን ክንሳገር ንኽእል ሓደ ከም ባህልና ዘለና ብምክፋል ካልኣይ ድማ እቲ መከራን ፀገምን ካብ መሰረቱ ንምንቃል ቃልሲ ብምክፋል ኢዩ” ኢሎም።

ዘለካ ምክፋል ናይ ሓፂር እዋን መፍትሒ እንትኸውን፥ እቲ ፀገም ተኻፊልካ ምቅላስ ድማ ኣብ ነዊሕ እዋን ብሓበራዊ ራኢ ዝሐሸ ፅባሕ ዝፍጠረሉ መገዲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምክፋል መኣዲ፥ ሓደ ኣካል ብምኽንያት ምውላዕ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተጀመረ ኣፀጋሚ እዋን ተሓጋጊዝካ ምሕላፍ ኢዩ።

ብኣልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment