ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዓወት ዝተዓጀበ ቀዳማይ ምዕራፍ ፃንሒቶም ዛዚሞም ንዝተወሰነ እዋን ናብ ቢሮ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ )ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዓወት ዝተዓጀበ ቀዳማይ ምዕራፍ ፃንሒቶም ዛዚሞም ንዝተወሰነ እዋን ናብ ቢሮ ከምዝተመለሱ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ÷ ሎሚ ይኹን ንቕድሚት ፀላእትና ጉልበቶም ደኺሙ፣ ናይ ፅልኢን ባእሲን መገዲ ገዲፎም፣ ናይ ፍቕሪን ሰላምን መገዲ ክሳብ ዝመርፁ ቃልስና ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መግለፂ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

“ብዓወት ዝተዓጀበ ቀዳማይ ምዕራፍ”

ፍቱዋት ደቂ ሃገረይ፣

ዝተኸበርኩም ፈተውቲ ኢትዮጵያ፣

ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ክትክበር ኢያ፤ ክትሕፈር ኢያ፡፡ ንኢትዮጵያ ንምግድዳር ክፍተን ይኽእል ኢዩ፡፡ ተገዳዲሩ ምስዓር ግን ትማሊ እውን ኣይተኸኣለን፤ ሎሚ እውን ኣይኸውንን፤ ፅባሕ እውን ኣይኸውንነ፡፡ ኢትዮጵያ ዝብል ስም ኩሉ ግዘ ምስ ሰዓራይነት ዝተተሓሓዘ ኢዩ።

ቅድሚ ውሑዳት እዋናት ንኢትዮጵያ ክወግእ ዝተለዓለ ፀላኢ ብሓባር ኮይንና ክንምክት ናብ ጦር ግምባር ዝሓዝናዮ ቆፀሮ ንፀላኢ ክሳዱ ከድንን እንትገብር ኢትዮጵያ ቅንዕ ክትብል ገይሩዋ ኢዩ፡፡ ሃገርና ተሓፊራን ተኸቢራን ክትነብርን ንምግባር ኣብ ጦር ግምባር እናተኸፈለ ዝርከብ መስዋእቲነት ስም ሰዓራይነት ኢትዮጵያ ዝምልስ ከምዝኾነ እናብሰርኩ፣ ዘቕረብኩዎ ፃውዒት ተቐቢልኩም ህይወትኩም፣ ጉልበትኩም፣ ሃፍቲኹም፣ ፍልጠትኩም፣ ግዜኹምን ሞያኹምን ንዘሃብኩም ኩሉኹም ብሽም ኢትዮጵያ ከመስግነኩም ይደሊ።

በዚ ኣጋጣሚ ቀዳማይ ምዕራፍ ዛዚመ ንዝተወሰኑ እዋናት ናብ ቢሮ ምምላሰይ እናገለፅኩ፣ ሎሚ ይኹን ፀላእትና ጉልበቶም ደኺሙ፣ ናይ ፅልኢን ባእሲን መገዲ ገዲፎም፣ ናይ ፍቕሪን ሰላምን መገዲ ክሳብ ዝመርፁ ቃልስና ክቕፅል ኢዩ፡፡ ናይና ድሌት ኩል ጊዜ ሰላምን ፍቕሪን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ሕብረ ብሔራዊ ሓድነታ ተሓሊዩ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዝተቓነዐ ንኽከውን ዘለና ድሌት ካብ መፈለምትኡ ኣፍሊጥና ንተግባራዊነቱ እናተጋህና ፀኒሕና ኢና፡፡ ይኹን እምበር ብተደጋጋሚ ዘቕረብናዮ ኣማራፂ ሰላም ብዘይምቕባል፤ ኣሳታፊን መካተቲን ዝኾነ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካና ረጊፁ ብምውፃእ፤ ጥፈኣትን ህልቂትን ንምትራፍ ተባሂሉ ዝተገበረ ትዕግስቲ ከም ቁምነገር ብዘይ ምቑፃር፤ ናይ ሓደሓደ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ኣፍን ድጋፍን ብምትእምማን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምስ መመሳስልቱ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ሓደጋ ኣንፀላሊዩ ነይሩ ኢዩ።

ነገራት ዝተወድኡን ዝተዛዘሙን ክሳብ ዝመስሉ ንኢትዮጵያ ዘይፈልጡ ኩሎም ብስግኣትን ብፍርሒን ተዋሒጦም ነይሮም ኢዮም፡፡ ሰጊኦም ከስግኡና፤ ፈሪሖም ከፍርሑና ዝፈተኑ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ኣካላት እውን ነይሮም ኢዪም፡፡ ኩሉ ነገር ዝተወደአ መሲሉ ዝተሰመዖም ነይሮም ኢዮም፡፡ ምስጢር ሰዓራይነት ኢትዮጵያ ዝፈልጡ ጥራሕ ብናፅነት ክሳብ መወዳእታ ጠጠው ዝበሉሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ነይሩ ኢዩ።

ናብ ቃልሲ ዝኣተና ሓቂ ሒዝና ስለዝኾንና ነይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ከም ወትሩ ምሳና ኢዩ ነይሩ፡፡ ድኻምና ኣበርቲዑ፡፡ ንህዝብና ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ኣነቓኒቑ ኢዩ፡፡ ቁፅሪን ዓቐሚን ሰራዊትና ወሲኹልና ኢዩ፡፡ ልብና ክጅግን ገይሩ ሰዓራይነት ኢትዮጵያ ብዓይንና ክንርኢ ገይሩና ኢዩ፡፡ ውድቀትና እናተመነዩ ዝነበሩ ኩሎም ኣሕፊሩ ዳግም ስም ኢትዮጵያ ብወርቂ ቀለም ንኽንፅሕፍ ኣኽኢሉና ኢዩ፡፡ ኣካል እዚ ታሪኽ ንምዃን ፈጣሪ ዕድሉ ዝሃበኩም ኩሉኹም እንኳዕ ደስ በለኩም፡፡ ሽም ኢትዮጵያ ካብ ምድማቕ ዝበለፀ ዕድል የለን እሞ!!

ብመሰረት ትልምና ቀዳማይ ምዕራፍ፣ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን አዕዊትና ኢና፡፡ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፣ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ነናይ ከባቢኡ ሚሊሻታትን ዕጡቓትን ብዝኸፈልኩምዎ መስዋእትነት ንደቅኹም ንነግሮ ዘደንቕ ታሪኽ ሰሪሕኹም ኢኹም፡፡ እቲ ቃልሲ ኣይተዛዘመን፡፡ ናፃ ዘይወፅኡ ከባቢታት ኣለዉና፡፡ ሕዚ ዝፈተነና ሓይሊ ዳግም ንኢትዮጵያ ፈተና ኮይኑ ከይመፅ ዘኽል ዘላቒ መፍትሒ ክንህቦ ይግባእ፡፡ ነዚ ፀገም ኣብ ንህቦ መፍትሒ ንቕድሚት ንኽፋእ ዝሓሰቡና ኩሎም ኢዶም ክእክቡ ክንገብር ኣለና፡፡ ንዝሓለፈ ነመስግነሉ እምበር ወዲእና ኢልና እፎይ ንብለሉ እዋን ኣይኮነን።

ዝተበተነ ፀላኢ ክማረኽ ክንገብር ኣለና፡፡ ከባቢና ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝበለፀ ነቒሕና ንሕልወሉ እዋን ግዚኡ ሕ ኢዩ፡፡ ፍተሸን ዳህሳስን ኣጠንኪርና ክንቅፅል ይግባእ፡፡ ፀላኢ ዘፍረሶ መሊስና ምህናፅ፣ ዝተመዛበሉ ምምላስ፣ ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እውን ካብ ዝነበሮ ብዝቐልጠፈ መገዲ ምስላጥ ይግበአና።

ንሰራዊትና ንህቦ ኩለመዳይ ሓገዝ ብዓይነትን ብበዝሒን ኣጠናኺርና ንቕፅለሉ እዋን ኢዩ፡፡ ዘይዘመቱ ወገናት ፍርቂ ዝኣክል ግዘን ጉልበቶምን ንዘመትቲ ስድራቤታት ክህቡ ይግበኦም፤ ንሳቶም ንዓና ህይወቶም እናገበሩ ነዐኦም ገንዘብናን ጉልበትናን ምሃብ ይንእሰና እምበር ኣይበዝሕን፡፡ ስለዝኾነ እውን ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ኩሉ ስድራ ዘመትቲ ምድጋፍን ክነበርትዕ ይግባእ።

እቲ ቃልሲ ኣብ ግምባር ጥራሕ ኣይኮነን፤ ብኹሉ ዓውዲ ምቅላስ ይግበአና፡፡ ናይ ሓረስታይ እኽ ሓንቲ ፍረ ከይትባኽን ገይርና መዓንጣና ኣሲርና ክንእክብ ኣለና፡፡ ብዲፕሎማሲን ፖለቲካዊን ዓውዲ እውን ንሰርሖም ስራሕቲ ብሓደሽቲ መገዲታት እናሳለጥና ክንቅፅል ይግበአና፡፡ ወፃኢ ቀኒስና፣ ግዘን ጉልበትን ወሲኽና፣ ንሃገርና ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ምስራሕ ካብ ሕድሕድና ትፅቢት ይግበር።

ቭፍላይ ኣብ እዋን ወፍሪ ህልውና ዝረአናዮ ሓድነት ኢትዮጵያ ክሳብ ዓለም ፍፃመ ሃፍትና ገይርናዮ ክንቅፅ ኣለና፡፡ ኣብ ገፀርን ከተማን፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃን፣ ብግምባርን ብደጀንን፣ ዘለና ኩልና ንሓደ ዕላማ ተሰሊፍና ሓደ ሽቶ እናዕወትና ንርከብ፡፡ ዝኾነ ተላዒሉ ንኢትዮጵያ ከውርድ ኣብ ዘይኽእለሉ ብራኸ እናሰቐልናያ ንርከብ፡፡ ብተጋድሎና ዝረኸብናዮ ነገር ንምቅላል ዝደልዩ ገፅ ንኽለኣዮም፡፡ ብሓባር ተቓሊስና ብሓባር ዝረኸብናዮ ዓወት፣ ከም ቀረመት ክምድቡ ዝለዓሉ ኣቀራመትቲ ነነውሮም፡፡ ዝሰዓረት ኢትዮጵያ ኢያ፡፡ ካብዚ ዝወረደ ነገር ኣይንቕበልን።

ዝገጠመና ፈተና ብዙሕ መከራን ፀገምን ዘስዐበልና ይኹን እምበር ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዘይንረኽም ዕድላትሒዙልና መፂኡ ኢዩ፡፡ ካብ ዘጋጠመና ፈተና ንላዕሊ ኣብ ዕድላት ትኹረት ገይርና እንተሰሪሕና ኢትዮጵያ ሓያልን ብኹሉ ዓውዲ ርእሳ ዝኸኣለት ክንገብራ ኢና፡፡ ካብ ፈጣሪ ቀፂሉ ኣብ እዋን ፈተናታትና ሓቢሮምና ጠጠው ንዝበሉን ኣብ ኣደባባይ ዓለም ንዝተማጎቱልናን ኩሎም ኢትዮጵያ ልዑል ምስጋና ተቕርበሎም፡፡ ዝጀመርናዮ ወፍሪ ህልውና ንኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዝገብር ቃልሲና ብቕልጡፍ ዛዚምና ናብ ዛዕባ ምዕባለና ብሙሉእ ጉልበት ኣብ ቀረባ እዋን ከምንምለስ እምነተይ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘለኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

29 ሕዳር፣ 2014 ዓ.ም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment