ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብትሑት እቶት ንዝመሓደሩ ሙስሊም ወገናት መኣዲ ረመዳን ኢፍጣር ኣንጊዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብትሑት እቶት ንዝመሓደሩ ሙስሊም ወገናት መኣዲ ረመዳን ኢፍጣር ኣንጊዶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ኣፈፃሚ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ብትሑት እቶት ንዝመሓደሩ ሙስሊም ወገናትን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ሕብረተሰብ ፆመ ረመዳንን በዓል ፋሲካን ምኽኒያት ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት መኣዲ ንክእንግድ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን መኣዲ ናይ ምክፋልን ካልኦት ተግባራትን ይትግበር ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment