ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደተ እየሱስ ክርስቶስ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደተ እየሱስ ክርስቶስ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰናይ ትምነት፥ በዓል ልደተ እየሱስ ክርስቶስ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና ፈላማይ ዕርቂ ተገይሩ ይሕሰብ ኢሎም።

ቅድሚ ልደት ኣብ መንጎ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ሰማየን ምድርን፣ እግዚኣብሄርን ሰብን ተሃኒፁ ዝፀንሐ ፅልኢ ኣብ እዋን ልደት “ካብ ደቂ ደቂኻ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ” ዝብል ቃል ፈጣሪ ብተግባር ዝጀመረሉ፤ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን ዕርቂ ዝተወጠነሉ ኢዩ ብምባል ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ እቲ በዓል፥ ምፍልላይ ዝተሰረዘሉ፣ ሕብረትን ሓድነትን ዝፀንዐሉ፣ መለኮትን ስጋን፣ ህያውን መዋቲን፣ ዘለኣለማዊን ግዚያዊን፣ ፈጣሪን ፍጡርን፣ ሰማያዊን ምድራዊን፣ ሙሉእን ዉሱንን፣ ብተዋህዶ ሓደ ኮይኖም የበስራት ዝተደመፀሉ ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ እነኽብሮ በዓል ልደት ዘድለየሉ ምኽኒያት ምፍልላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎኦም ፅልኢ ንክነግስ ዝተሰርሐሎም ወገናት ሓደ ንምግባር ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያውያን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝሓሸት ንምግባር ካብ ታሪክ በዓል ልደት ትምህርቲ እንተወሲድና ይጠቅም ኢዩ፤ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እንርእዮ ናይ ምፍልላይን ምጥፍፋእን ሕማም ባህሪናን መግለፂናን ኣይኮነን።

ስለዝኾነ ናብ ሓዱሽ ዘበን፣ ብርሃን፣ ሓዱሽ ማንነት፣ ምዕራፍ ብምምፃእ ሓዱሽ ናይ ሓባር ታሪክ እንትንሰርሕ፣ ሓዱሽ መገዲ እንትንጅምር ናይ ትማሊ መገዲ ኣየፃልአናን ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment