ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሳልሳይ ዙር ሃገር ለኸ መድረኽ ውድድር ክእለት ብዕሊ ከፊቶም።
ብኣሰናዳኢነት ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን “ክእለት ንተወዳዳሪነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንቐፀልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ክፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ኤግዚብሽን ስራሕቲ ምህዞ፣ ዘተን ካልኦት መርሃ ግብሪታትን ክህልዉ ኢዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ ውድድር ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎም መናእሰይ ምብቅዖም ንምርኣይን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንምምዕባልን ብኩለ መዳይ ንምዝማንን መህዞ ወሳኒ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም።
ሰብ ሞያ ፈጠራ ብዘጋጥምዎም ዕንቅፋታት ሸብረኽ እንተይበሉ ፈተናታት ከምመንጠሪ ክጥቀሙን ውፅኢት ተኮር ስራሕቲ ክሰርሑን ኣተሓሳሲቦም።