ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ጆ ባይደን ዝገበሩዎ ዘተ ስልኪ ኣብ ዘፈር ዲፕሎማሲ ምምሕያሻት ምህላዎም ዘርኢ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዝገበሩዎ ዘተ ስልኪ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ርክብ መንፈሱ እናተቐየረ ምዃኑ ዘርኢ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሳምንታዊ መግለፂ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ጉዳይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ መብርሂ ከምዝሃቡ፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፣ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝን በቲ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ምጥያሽን ዝተተሓሓዙ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ ገሊፆም።

ቅድሚ ሕዚ ዝተርኣየ ብጥርጣረ ዝተቓነየ ኣካይዳ ንምልዋጥ ንዝርርብ ድሉው ከምዝኾኑ ምርኣዮምን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ሓቢርካ ንምስራሕ ተስማዕሚዖም ኢዮም እውን ኢሎም።

“ስለዝኾነ ድማ ምህዳር ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ እናተቐየረ ምምፅኡ ተራኢዩ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ርክባት ኣብ ምጥንኻር እውን ውፅኢታዊ ስራሕ ንኽስራሕ መገዲ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ብሓደ ወገን ሓደጋ ህልውና ንምምካት ብዝተበረ ወፍሪ ዝተረኸበ ዓወት፣ ብኻሊእ መዳይ ብሄራዊ ምርድዳአእ ንምምፃእ ዝተጀመረ ከይዲ ብብርቱዕ ቃልሲ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ፅዕንቶ ትርጉም ዘይብሉ ክኸውን ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment