ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፤ 28 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደት ኢግዚእነ እየሱስ ክርስቶስ ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር አብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዘበን እነኽብሮ ዘለና በዓል ልደት ዘሕለፍናዮ ፈታኒ ተጋድሎን ኣብ ቅድሚትና ዘሎ ወሳኒ ዕድልን ብምሕሳብ እዩ ኢሎም።

ሐዚ ኣብ መንጎ ፈተናን ዕድልን ኣለና ብምባል፥ ዓለም እውን ቀዳማይ በዓል ልደት ዘኸበረቶ ኣብ ንጎ ፈተናን ዕድልን ብምዃን ኢዩ ብምባል ኣዘኻኺሮም።

ብምኽኒያት በደል ኣዳም ዝመፀአ ዘመነ መከራ እናሓለፈ፤ ቀንዲ ፍልፍል እቲ መከራ ዝኾነ ዲያብሎስ እናተሸነፈን ንጉስ ፀልማት እነተረትዐን፤ ልቋም ዘበናት እናተፈትሐ ነይሩ ኢሎም። ፊት ንፊት ድማ ዘበን ፍቕሪ፤ ምድሓን፤ ብርሃን፤ ሰላምን ናፅነትን የመፅእ ነይሩ ብምባል ድማ ገሊፆም።

እቲ ዘበን ብዙሓት ፈተንቲ ሕልኽላኻት ከምዝነበርዎ ብምዝኽኻር፥  ናይ ብሩህ ተስፋ ዘይኮነስ ዘመነ መከራ መሲሉ ነይሩ ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ መከራ ሓላፍን ዝጠፍእን እንበር ዘላቒ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኩሉ ሓሊፉ ክሰብ ሎሚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ልደት ፍሉይ ተርጉም ብምሃብ እነኽብሮ ዘለና ኢሎም።

ኢትዮጵያ እውን ቀፃሊ ተስፍኣ ንከይዕንብብን ብልፅግንኣ ከይትርእን ዝቃለሱ ኣብ ዙርያኣ ብዙሓት ኣበጋዛእ ሄሮድስ እኳ እንተሃዉ፥ ካብ ዝጀመርናዮ መዲ ብልፅግና ግን ደው ከብሉን ኣይኽእሉን ኢሎም።

ዝተሰባበረ ድልድል ፀጊንና ካብ ፀገማትና ንላዕሊ ክብ ብምባል ኢትዮጵያ ብዘይጥርጥር ናብቲ ዝሃቀነቶ ኣድማስ ተስፋ ክነብፀሓ ኢና እውና ኢሎም።

“ንሕና ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ብዝተጓዓዝና ልክዕ ፀገማትና ንድሕሪት ክሕብኡ ኢዮም፤ ንሕና ብዝጠንከርና ልክዕ ንሳቶም እሽነፉ ኢዮም” ኢሎም።

ጉዕዞ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ድሕረ ሐዚ ዝህልዎ ቅልጣፈ ልዕሊ ኹሉ ዝውስኖ ብናይ ባዕልትና ጥንካረ እንበር ብናታቶም ፀገም ፈጣርነት ከምዘይኸውን ኣረጋጊፆም።

ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ንክኸውን ድማ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment