ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከባቢ ኣዋሬ ዝተሃነፀ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዝኸውን ኣባይቲ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከባቢ ኣዋሬ ዝተሃነፀ ተወሳኺ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዝኸውን ኣባይቲ መሪቖም።

እቲ ክልተ በዓል 11 ደብሪ ህንፃታት  ኣብ 1 ሺሕን 523 ነጥቢ 3 ሜትር ካሬ ዝተሃነፀ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋረሕ ብምህናፅ ዝተዛዘሙ እንትኾኑ፥ ካብ ኣታዊ ሽይጣት መፅሓፍ ምድማር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)ን ብደገፍ ቪድ ኮንስትራክሽን ግሩፕን ዝተሃነፀ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቶም ህንፃታት በዓል ሓደ፣ ክልተን ሰለስተን መደቀሲ ክፍሊታት ዘለዎም 110 ኣባይቲ ከምኡውን ኣብ ታሕተዋይ ደብሪ 51 ክፍሊታት ዝሓዙ ኢዮም።

ብተወሳኺ ሓበራዊ መሰንከቲ ባኒን እንጀራን፣ መብሰሊን መሕፀቢን ከባቢታት ዘካተቱ ከምዝኾኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ስራሕቲ ሰናይ ተግባርን ምህዞን መርኣያ ኦቪድ ኮንስትራክሽን ግሩፕ ንክስዕቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment