ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤት ፅሕፈት ቼክ ሪፐብሊክ ብቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ፔትር ፊያላ ዕላዊ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ክልቲኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ሃገር ዝፀንሐ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ንምስፋሕ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ልምዓት ዕደናን ቱሪዝም ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር መውሳኖም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ቼክ ሪፐብሊክ ፔትር ፊያላ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበሩ አንትኾኑ፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መዝታዮም ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።