ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ሪፐብሊክ ሩዋንዳ ቪንሴንት ቢሩታን ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ቀፃሊ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያ ነምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ 1970ታት መወዳእታ ኣቢሉ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዝጀመራ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ።
ብመሰረት እዚ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ከምዝፈጠራ እቶም መራሕቲ ኣብ ዘተኦም ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘድሃቡ ብዙሓት ሰነዳት ስምምዕ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ምኽታመን ተገሊፁ።
እቶም መራሕቲ ድሕሪ ዘተ ኣብ ፓርክ ሓድነት ፈልሲ ምትካሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።