ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶር) ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝተወለዱ ካልኣይ ትውልዲ ኣባላት ዲያስፖራ ናብ ሃገሮም ንክመፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶር) ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝተወለዱ ካልኣይ ትውልዲ ኣባላት ዲያስፖራ ናብ ሃገሮም ንክመፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣካል ፕሮጀክት ኮይሻ መኣዲ ንሃገር ዝኾነ ሎጅ ዝሆን ዳና ጨበራ መሪቖም ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ኢዮም ነዚ ኢሎም።

እቶም ኣባላት ዲያስፖራ ካብ 20 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ክሳብ 20 መስከረም 2017 ዓ.ም ብሰለስተ ዙር ናብ ዓዶም ንክመፅኡ ፀዊዖም።

ናብ ዓዶም ዝመፅኡ ኣባላት ዲያስፖራ እውን በዓል ልደት ሓዊሱ ኣብ ካልኦት በዓላት ከምዝዕደሙ ኣፍሊጦም።

ካልኣይ ዙር ድማ፥ “connect to your history” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንክመፅኡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሳልሳይ ዙር፥ “live your legacy” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኢትዮጵያ ኣብ እዋን ክራማት ጀሚሩ ክሳብ 20 መስከረም 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ እዋን እቶም ኣባላት ዲያስፖራ ፈልሲ ኣብ ምትካልን ካልኦት ስራሕቲን ከምዝሳተፉ ሓቢሮም።

እቶም ናብ ዓዶም ዝመፅኡ ኣባላት ዲያስፖራ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሆቴላት ኢትዮጵያን ፍሉይ ቅናሽ ዋጋ ከምዝግበረሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment