ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ክልቲኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ በዓለ ሹመት ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሃሰን ሼህ ሞሃመድ ተረኺቦም ኣበ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ሶማሊያ ሰለማዊ ሽግግር ስልጣን ብምግባሩ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ንናይ ሓባር ምዕባለን ልምዓትን ኣብ ምትሕብባር ዝተደረኸ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ብምትግባራ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ቀጣናዊ ምትእስሳር ሓዱሽ መገዲ ምኽፋተን ተዛሪቦም።
ኣበ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓማውቲ ዝተረኸቡ ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ምስ ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ብምዃን በዝበለፀ ከምዝጠናኸር እውን ገሊፆም።
እዚ ዝመፅአ ናይ ሓባር ምዕባለናን ልምዓትናን መሰረት ብዝገበረ ፓሊሲ ወፃኢ ኢዩ ኢሎም።
ናይ ሃገርና ለውጢ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ወፃእ ኣይንርእዮን ብምባል፥ ቀጣናዊ ርክብና እውን ብባህሊ፣ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ኢዩ ኢሎም።
ሶማሊያ ኣብ ቀፃሊ ዕድላት ለውጢን ልምዓትን ምርኣይ ከምእትቕፅል ብምሕባር፥ በዚ እውን ንመንግስቲ ሶማሊያን ኣመራርሓን ዕውትነት ተመኒዮም።
ብኣልኣዛር ታደለ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።