ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ መልእኽቲ ሓጎስ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዳግም ዋና ፀሓፊ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ብምዃን ብምምራፆም መልእኽቲ ሓጎስ ቸኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም÷ ዳግም ምምራፅ እቶም ፕሬዚዳንት ህዝቢ ቻይና ብቐጥታ ተረባሒ ዝገብሩዎ ኩለመዳይ ዓወታት ውፅኢታዊ ኣመራርሓኦም ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ኣብ ዘበን ኣመራርሓኦም ዕቤት ኢኮኖሚ ቻይና ክቕፅል ካብ ምግባር ሓሊፉ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ፈጣራይነት እታ ሃገር ኣብ ምዕባይ ዓብዪ ግደ ከምዝተፃወቱ እውን ኣልዒሎም።

ዓለም “ኣብዚ ሕዚ እዋን ረብሓ ሞዴል ሃገር በቆል ልምዓት ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ከምዝርዳእ እምነተይ ኢዩ” ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብምርግጋፅን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዘሎ ኣፈላላይ ናብራ ንምፅባብ ዝገበሩዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ኣብ ምዕባለ ዘርከባ ሃገራት ፅቡቕ ተሞክሮን ትምህርቲን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ካብቲ ፓርቲ ብዙሓት ልምዲታት ረኺባ ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ውፅኢታዊ ምሕደራ ከምኡ እውን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፅቡቕ ተሞክሮ ከምዝወሰደት ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ምምሕዳር ሺ ጂንፒንግ÷ ቻይና ስትራቴጂካዊት መሓዛ ሃገር ኢትዮጵያ ኢያ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብዝሓለወ መልክዑ ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ኣልዒሎም፡፡

ዳግም ምምራፅ ሺ ጂንፒንግ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ምስ ፓርቲ ብልፅግና ጋር ዘለዎ ርክብን ምትሕብባርን ብዝበለፀ ከምዘጠንክሮ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment