ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ መብርሂ ክህቡ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ መብርሂ ክህቡ ኢዮም።

6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራላዊ ዴሞክራያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ 4ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከምዘካይድ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ 30 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝገበረኦ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝቐርቡ ሕቶታት እቶም ቀዳማይ መልሲን መብርሂን ከምዝህቡ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ባይቶ ቅዋም መንግስቲ ብምስማዕ ነቲ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝርከቡ እቲ ዳይሬክቶሬት ኣፍሊጡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment