ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ትማሊ ዝተኸፈት ዓለም ለኸ ኤክስፖ ቴክኖሎጂንን መዓድንን ጎብንዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ዝተኸፈት ዓለም ለኸ ኤክስፖ ቴክኖሎጂንን መዓድንን ጎብንዮም።
እቲ ኤክስፖ ትማሊ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምዝተኸፈተ ይፍለጥ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤክስፖ÷ ልዕሊ 270 ኩባኒያታት እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡
እቲ ኤክስፖ÷ ሃፍቲ መዓድን ኢትዮጵያ ኣብ ምፍላጥ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment